ዘተ ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኢስታንቡል ምኽያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣባላት ተዳራዳሪ ልኡካን ጉጅለ ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ይዛተዩ ኣለው።
ብኣዳራዳሪነት ኣሜሪካን ቱርክን እናተኻየደ ዝርከብ ዘተ ሰላም እተን ሃገራት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ዘተ ገፅ ንገፅ እዩ ተባሂሉ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርክ ሃካን ፊዳን÷ ሩስያን ዩክሬንን ናብ ስምምዕነት ሰላም ንምምፃእ ዘርኣዩ ቆራፅነት ንኢዶም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ፃዕሪ ክገብሩ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ እቲ ዘተ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም መስካሕኽሒ ኲናት ደው ንምባል ወሳኒ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዩክሬን ናብ ስምምዕነት ሰላም ንምምፃእ ሩሲያ ን30 መዓልታት ዝፀንሕ ተኹሲ ደው ክተብልን ምሩኻት ኲናት ክትፈትሕ ምሕታታ ተሓቢሩ፡፡
ሩሲያ ብወገና ዩክሬን ዝሓተተቶ ተኹሲ ደው ምባል ንምትግባርን ናብ ድርድር ሰላም ንምምፃእ ፍቓደኛ ምዃና ገሊፃ፡፡
ይኹን እምበር እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዩክሬን ወታደራ ንምውዳብ መሳርሒ ኩናት ንምትእኽኻብ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ኣፅንኦት ሂባ፡፡
ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮን ፍሉይ መልእኽተኛ ዩክሬንን ሩሲያን ምስታፎም ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ አየለ