ዚምባብዌ ብሄራዊ ስትራቴጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዕላዊ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ብሄራዊ ስትራቴጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤኣይ) ዕላዊ ገይሮም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2026 ክሳብ 2030 ተግባራዊ ዝግበር እቲ ስትራቴጂ ኣብ ኣገልግሎት መንግስ ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተግባራዊ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ እቲ ስትራቴጂ ይዕላዊ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ፈጠራ ንምድንፋዕ፣ ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምምሕያሽን ዲጂታል ለውጢ እታ ሃገር ንምድጋፍን ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ዘለናሉ ቅልጡፍ ዘበን ለውጢ ቴክኖሎጂ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፅዋር ዘኽእል ጥንኩር ምላሽ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ዓውዲታት ሕርሻ፣ መዓድን፣ ጥዕና፣ ፋይናንስን ትምህርቲን ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ፍልጠት ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ምርምር ንምጥያሽ ከምዝተሓቀነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ ቴክኖሎጂ ንዝጥቀሙ ትካላት ንግዲ መበረታትዒታት ንመሃብ ምድለው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!