ሎሚ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ኣፍሪካን ፀለምቲ ህዝቢታትን ፀሊሙ ብዝነበረ ሰማይ ፀሓይ ዝበረቐሉ ዕለት ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ዶባ ጥሒሱ ሉኣላዊነታን ናፅነት ህዝባን ዝደፈረ ወራሪ ጦር ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ዓወት ዝሓፈሰትሉን ን3 ሺሕ ዓመታት ዘይተደፈረ ስልጣነኣ ዘፅነዐትሉ መዓልታ ኢዩ ኢሎም፡፡
ተኸቢርና እንነብረላን ንኢትዮጵያ ካብ ዘደንቕ ስልጣነን ታሪኽን ምስ ልዑል ክብራ ብደም መስዋእትነት ንዘረከቡና ኣቦታትና ክብሪ ይግበኦም ኢሎም፡፡
ሎሚ እናነበርና ንርከብ ኢትዮጵያውያን ኣቦታትናን እኖታትናን ሞይቶም ዘፅንሑልና ሃገር ብሓንድነትን ፍቕሪን ብምንባር ክነቐፅል ይግባእ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ካብኦም ተማሂርና ድኽነት፣ ምክፍፋልን ድሑር ኣተሓሳስባን ኣይደልን ብምባል ንኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ ክነሳግር ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነቶ ንላዕሊ ዓባይ ትኾነሉ እዋን ርሐቕ ኣይኸውንን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!