Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት ንምስግጋር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዜጋታት ካብ ድኽነት ንምውፃእ ብዝተወገኑ ስራሕቲ ብዙሓት ዜጋታ ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት ተሰጋጊሮም ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2018 ዓ.ም ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ሮጀክት ስራሕን ከተማታት  ኣብ ቢሾፍቱ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንሴፍቲኔት ገፀር 45 ቢሊየን ብር ከምኡ እውን ንሴፍቲኔት ከተማ ድማ 15 ቢሊየን ብር ወፃእ ተገይሩ።

ዜጋታት ካብ ድኽነት ንምውፃእ ብዝተወገነ ስራሕ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት ከምዝተሰጋገሩ ኣብሪሆም፡፡

ፕሮግራም ሴፍቲኔት ውፅኢታዊ ምዃኑ ስዒቡ 3ይ ዙር ንኽቕፅል ሓገዝ ዝገብሩ ትካላት 250 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባሮም ሓቢሮም።

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.