ዝሓሸ ምህርቲ ዝህቡ ዓይነታት ስርናይ ንምምዕባል ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ምህርቲ ዘምፅኡ ዓይነታት ስርናይ ንምምዕባል ይሰራሕ ኣሎ ኢሉ።
ማእከል ምርምር ሕርሻ ቁሉምሳ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ካብ ኣውስትራልያ ብዝመፁ ክኢላታት ዑደት ኣካይዶም።
ዳይሬክተር ማእኸል ምርምር ሕርሻ ቁሉምሳ ሽመልስ ኣለማየው ኣብቲ እዋን፤ ኣብቲ ማእኸል መፅናዕቲ ኣብ ዝካየደሉ ናይ ፈተነ ዝተዘርኡ ግራውቲ ዓይነታት ስርናይ ዝሓሸ ምህርቲ ከም ዝህቡ ተረጋጊፁ እዩ።
እቲ ማእኸል ምስ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክኢላታት ብምትሕብባር በብዓመቱ ዝሓሸ ምህርቲ ዘምፅኡ ዓይነታት ንምምዕባል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
በብእዋኑ ዝረኽብዎ ዘለው ተሞክሮ ኣብ ቀፃሊ ዝሓሸ ምህርቲ ዘምፅኡ ዓይነታት ንምምዕባል ዘኽእል ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።
ብአብነት መኮንን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!