Fana: At a Speed of Life!

ዝመፁ መዓልታት ጳጉሜን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲን መፃኢ ሃገራዊ ትልሚታት ዝፍለጥሉ ኣብ መፃኢ መዓልቲ ጳጉሜን ዝተፈላለየ ኣስማት ተዋሂብዎም።

ጳጉሜን-1 መዓልቲ ፅንዓት

መዓልቲ ፅንዓት “ፅኑዕ መሰረት ድልዱል ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ኣበርቲዖም ዝሰርሑን ዋጋ ዝኸፈሉን ኢትዮጵያውያን ብምዝካርን ብምምስጋንን ክኽበር እዩ።

ጳጉሜን-2 መዓልቲ ሕብሪ

መዓልቲ ሕብሪ “ ብዙሕነትን ዕንቊ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዙሃነት ኢትዮጵ ፅባቀ ሓድነት ከምኡ እውን ክብሪ ሓድነት ዘጉልሁ ምድላዋት ተኸቢሩ ይውዕል፡፡

ኣብቲ ዕለት ደገፍ ዝደልዩ ወገናት ብናውቲ፣መኣዲ ምክፋልን፣ ትምህርታዊ ናውቲ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ደገፋት ብምሃብ ሓበራውነት ዘርእዩ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ክካየድ እዩ።

ጳጉሜን-3 መዓልቲ ምዕባለ

መዓልቲ ምዕባለ “ምዕባለ ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ንቀፃሊ ዓመታት ዝተመሓየሸ ስራሕቲ ክሰርሑ ብምሕሳብ እዩ፡፡

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ሉኣላውነት ንምርግጋፅ፣ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ኢንዱስትሪ፣ ዕደናን ካልኦት ዓውድታትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ጎሊሆም ይኽበሩ፡፡

ጳጉሜን-4 መዓልቲ ብራኸ

መዓልቲ ብራኸ “ዘላቒ ልምዓት ንሃገራዊ ብራኸ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ብራኸ ምዃና ዘርእዩ ኩነታት ይኽበር፡፡

ጳጉሜን-5 መዓልቲ ፅባሕ

ፅባሕ መዓልቲ” ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ብምህናፅ እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ብምሕሳብ ዝኽበር እዩ፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.