Fana: At a Speed of Life!

ዝተመሓየሸ መሕለፊ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር  ትምህርት ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መእተዊ ውፅኢት ካብ 300 ናብ 297 ክንኪ ገይሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ከምዝገለፆ÷ ፖሊሲ ትምህርቲን ስልጠናን ተምሃሮ ናብ ዝቕፅል ደረጃ ትምህርቲ ንምሕላፍ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ከምፅኡ ከምዘለዎም ይድንግግ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ 2017 ዓ.ም መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ማእኸላይ ውፅኢቶም ካብ 49 ነጥቢ 50 ክሳብ 49 ነጥቢ 99 ሚኢታዊ ዘምፅኡ ተምሃሮ ናብ 50 ሚኢታዊ ንኽፀጋጋዕ ከምዝተወሰነ ኣመልኪቶም፡፡

ነቲ ውሳነስዒቡ 49 ነጥቢ 5ን ልዕሊኡን ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ዝተሓተ 50 ሚኢታዊ መሕለፊ ነጥቢ ከምዘማልኡ ተገይሩ ይውሰድ፡፡

ብምዃኑ ድማ 49 ነጥቢ 5ን ልዕሊኡን ውፅኢት ያስመዘገቡ ተምሃሮ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምእታው ክመሃሩ ከምዝኽእሉ እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.