ዝተመሓየሸ መሕለፊ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትምህርት ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መእተዊ ውፅኢት ካብ 300 ናብ 297 ክንኪ ገይሩ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ከምዝገለፆ÷ ፖሊሲ ትምህርቲን ስልጠናን ተምሃሮ ናብ ዝቕፅል ደረጃ ትምህርቲ ንምሕላፍ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ከምፅኡ ከምዘለዎም ይድንግግ።
ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ 2017 ዓ.ም መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ማእኸላይ ውፅኢቶም ካብ 49 ነጥቢ 50 ክሳብ 49 ነጥቢ 99 ሚኢታዊ ዘምፅኡ ተምሃሮ ናብ 50 ሚኢታዊ ንኽፀጋጋዕ ከምዝተወሰነ ኣመልኪቶም፡፡
ነቲ ውሳነስዒቡ 49 ነጥቢ 5ን ልዕሊኡን ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ዝተሓተ 50 ሚኢታዊ መሕለፊ ነጥቢ ከምዘማልኡ ተገይሩ ይውሰድ፡፡
ብምዃኑ ድማ 49 ነጥቢ 5ን ልዕሊኡን ውፅኢት ያስመዘገቡ ተምሃሮ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምእታው ክመሃሩ ከምዝኽእሉ እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!