ዝተዋደደ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ምጥንኻር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ከባቢያዊን ፖለቲካዊን ጉዳይ ከምዝኾነ ብምርዳእ ዝተዋደደ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ምጥንኻር ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን።
“ማይን ንፁህ ኢነርጂን ንዘላቒ ዕቤት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ቅነ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሃፍቲ ማይ ዝተረኸቡ ዓወታት፣ ክመሓየሹ ብዛዕባ ዝግበኦምን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ዝጠመቱ ልዝባት ተገይሮም።
መርሃ ግብሪ እቲ ዕለት ዘጀመሩ ብመዓርግ ሚኒስትር ዴኤታ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሞቱማ መቃሳ ከምዝበሉዎ÷ ማይ መሰረት ህልውናናን ኢኮኖሚናን ከምኡ እውን ንምዕባለ፣ ሰላምን ልምዓትን ወሳኒ ዝኾነ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ኢዩ።
ኣዚዩ ተቓላዒ፣ መካትዒን ዓለም ለኸ ስግኣታትን ኩሎም ኣብ ማይ ትኹረት ምግባሮም ንዘላቒ ልምዓትን ንሰብኣዊ ድሕንነትን ማእኸላይ ከምዝገብሮ እውን ኣልዒሎም።
ክባር ዝኾነ ሃፍቲ ማይ ንምምሕዳር፣ ድሕንነቱ ንምሕላው፣ ንምምራሕን ዘላቒ ተረባሕነት ንምርግጋፅን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!