Fana: At a Speed of Life!

ዝተገበረ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ዘላቒን መካተቲን ንምግባር ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ክዓቢ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተገበረ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ዘላቒን መካተቲን ንምግባር ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ክዓቢ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፡፡

‎‎እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ምትሕብባር መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ንምጥንኻር፣ ኣብ ኣንፈት ፖሊሲ ግንዛበ ንምዕባይን ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምፍታሽን ብምሕሳብ እናተኸየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ኢዩ።

‎ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ምግባር ካብ ዝጅምር ንደሓር ሓደ ዓመት ዝተቓረበ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊነቱ ክቕፀል ንምግባር ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ምዕባይ ይግባእ ኢሎም፡፡

‎‎ኣካታታይነት ዘፈር ፋይናንስ፣ ቀረብ ልቓሕ ምምሕያሽን ሪፎርም ኢንቨስትመንትን ኣብዚ መዳይ ዝተወገኑ ተግባራት ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

‎‎ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ብግደኦም፥ ዝተረጋገአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኽህሉ መንግስቲ በኑ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እኹል ከምዘይኮነ ኣልዒሎም።

‎‎ነዚ ድማ ኣብ ዓውዲታት ፋይናንስ፣ ግብሪ፣ ኢንዱስትሪን ካልኦት ዓውዲታትን ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ንዘተኣማምን ኢኮኖሚ ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

‎ብሚኪያስ አለሙ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.