ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ዝሓለፈ 2013 ዓ.ም ከም ሃገር ህልውናና ዝተፈታተኑ ማሕለኻታት ዝበዝሑዋን ዕድልና ንመውሳን ናይ ወፃኢ ኣእዳው ዝነውሑላ ዓመት ኮይና ከምዝሓለፈት ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ከምዚ ዓይነት ፈተናታት ንኢትዮጵያ ጋጢሞምዋ ዘይፈልጡን ንታሪኻ ሓደሽቲ ኣይኮኑን” ኢሎም፡፡
ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዓመተ ሰላም፣ ሓጎስ፣ ጥዕናን ሃገራዊ ምዕባለን መሰረት ዝንበረሉ ንኽኸውን ተመኒየን፡፡
ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር አይሻ መሃመድ÷ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋ ንሰንቀሉ፣ ሓደሽቲ ትልሚታት ብምትላም ብሓዱሽ ጎደና ንጅምረሉ ኢዩ ኢለን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።