ዝነኣዱ ባህላዊ ክብሪታትን ትውፊታትን ኢትዮጵያ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምሕላው ይግባእ – ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝነኣዱ ባህላዊ ክብሪታትን ትውፊታትን ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምሕላው ይግባእ ኢለን ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ።
ኢትዮጵያ ብዙሓት ባህላዊ፣ ታሪካዊን ኪነ ጥበባዊን ፀጋታት ከምዘለውዋ ከምዘለዋ እተን ሚኒስትር፥ እዚኣቶም ናይ ማንነትና መግለፂታት፣ መርኣያ ሓድነትን ምልክት ሕብረትናን ኢዮም ኢለን።
ብዝሃ ብሄር፣ ባህልን ቋንቋን መግለፂ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝበላ ወ/ሮ ሸዊት÷ ኩለ መዳይ ሕብረት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ሓቢረን።
ኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ጂሚሮም ናይ ሃገርና ሓድነትን ሉእላውነትን ዝፈታተኑ ፀገማት እንትመፅኡ ብሓድነትን ሕብረትን እንምክት ኩሩዓት ህዝብታት ኢና ክብላ እውን ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ዝነኣድ ክብሪታትን ትውፊታትን ዘለዋ ሃገር ኢያ እውን ኢለን።
ጥበባትን ባህሊን ዝምድናታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ከምኡ’ውን ሕብረትን ሓድነትን ብዝበለፀ ክብ ንምባል ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣገንዚበን።
ስለዝኾነ ዘለዉና ዝነኣዱ ባህላዊ ክብሪታት ብዋዛን ቁምነገርን ብምቕራብ እንደሊያ ህብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!