ዝኾነ ይኹን ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ናይ ምፅዋር ዓቕሚና ክብ ብምባል ንዘላቒ ልምዓት ክንሰርሕ ኢና- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝኾነ ይኹን ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ናይ ምፅዋር ዓቕሚና ክብ ብምባል ብናይ ባዕልትና ዓቕሚን ፃዕሪን እናተሓጋገዝና ንዘላቒ ልምዓት ክንሰርሕ ኢና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ልመናን ተሓጋዝነትን ግብዝነት ዘስፍሕ፣ ሰብኣዊ ክብሪ ዝነክእን ዘላቒ ለምዓት ዘየረጋግፁን ተግባራት ኢዮም ኢለን እተን ከንቲባ።
ስለዝኾነ ብኣተሓሳስባ ለውጢ ምምፃእ ግድን ከምዝኾነ ተዛሪበን።
በፍላይ ትካላት ትምህርቲን ሃይማኖትን ነቲ ኣተሓሳስባ ተሓጋዝነትን ልመናን ብምልዋጥ ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾና ከምዝግባእ ገሊፀን።
ነዚ ተግባር ንምስላጥ ቤት ምኽሪ ስግኣት ሓደጋ ኣዲስ ኣበባ ተቓላዓይነት ሓደጋ ብምቕናስ፣ መድላዋት ሓደጋ ብምጥንኻርን ምላሽ ወሃብነት ክብ ብምባልን ከም ሃገር ዝተጀመረ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ንምቕፃል ሎሚ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ ኢለን።