Fana: At a Speed of Life!

ዝዓበየ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ..

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም፡፡

ስትራቴጂ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንኢትዮጵያ ቀፃሊት መሪሕ በሪ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ናይ ምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ ኢዩ፡፡

ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕቲ ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ብዓመት 60 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ዘተኣናግድ እንትኸውን÷ እንትዛዘም ድማ ንኣፍሪካ ቀዳማይቲ መናሃርያ ትራንስፖርት ኣየር ሓንቲ ዝገብራ ኢዩ፡፡

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብዓመት 110 ሚሊየን መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ፡፡

ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር እንትኸውን÷ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ዘጠናኽር ኢዩ፡፡

ኮሪደራት ንግዲን ቱሪዝምን ዘስፋሕፍሕን ንኢትዮጵያ ድማ ቀዳመይቲ ማእኸል በይነ ኣህጉር ዝገብር ኢዩ፡፡

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትሮ ከባቢ ትርከብን 1 ሺሕን 910 ሜትር ብራኸ ዘለዋን ቢሾፍቱ ንስራሕቲ ኣውሮፕላኖናት ዝተመቸወ ከባቢ ኣለዋ፡፡

ቢሾፍቱ ንኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ቅርበት ምስ ምህዳር ነባር ትራንስፖርት ኣየር ብቐሊሉ ዝተወሃደ ኣሰራርሓ ንኽህሉ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.