Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውፅኢታት ምርምርን ፈጠራ ቴክኖሎጂን ትኹረት ብምግባር ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውፅኢታት ምርምርን ፈጠራ ቴክኖሎጂን ትኹረት ብምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ቅነ ኤክስፖ ምርምርን ቴክኖሎጂን ስነስርዓት መኽፈቲ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ሕክምና እንስሳትን ሕርሻን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጂን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ወራሽ ጌታነህ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን ቴክኖሎጂን ትኹረት ብምግባር እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ንኸዓቢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ውሕስና ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብመንግስቲ ብዝተቐቀጠ ኣንፈት ኣብ ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝኾነ ኣገልግሎት ምምሃር ምስትምሃር ብተወሳኺ ኣብ ምርምርን ውፅኢታት ፈጠራ ቴክኖሎጂን ትኹረት ብምግባር ንዕቤት ሃገር ልዑል ግደ እናተዋፀአ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም።

ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ውፅኢታት ፈጠራ ዓመታዊ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ብምስንዳእ ተበፃሒ እናገበረ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.