ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ክብሪን ስምን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ክብ ንምባል ክተግህ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምሕላው ክብሪን ስምን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ክብ ንኽብል ክተግህ ይግባእ ኢሎም፡፡
ዩኒቨርሲቲ ጎንደር በዓል ምስረትኡ ምኽንያት ብምግባር ብ4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዘህነፆም 22 ፕሮጀክታት ኣመሪቑ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቐ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ታሪኻዊ ምዕራፍ ይርከብ ኢሎም።
ሆስፒታል እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሓደ ሚኢቲ ዓመት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዓምዲ ሕክምና፣ ምልክት ምድሓንን ምፅጋንን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ስሙያት ሰብ ሞያ ዘፍረየ ማእኸለ ልህቀት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቅድሚ 70 ዓመታት ዝወለዐ ጉዕዞ ፍልጠትን ትምህርቲን እቲ ዩኒቨርሲቲ መድሕን ሃገር ዝኾኑ መፍትሒታትን ዜጋታት ከፍሪ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝፈልጡዎ ዝዓበየን ዘኹርዕን ለውጢ ከምዘመዝገበ እቶም ፕሬዚዳንት ኣፅንኦት ሂቦም።
እቲ ዓወት ኣመራርሓን ማሕበረሰብን እቲ ዩኒቨርሲቲ ብስራሕ ብምርድደኦም ዝመፅአ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ዝተጀመረ ዘበናዊነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ናብ ርእሰ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ምድላው ምዕራፍ ብምዃን ዝጀመሮም ስራሕቲ እቲ ትካል ናብ ዝለዓለ ብራኸ ዘሰጋግሩ ከምዝኾኑ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!