ደቂ ኣንስትዮ ብጥበብ ይነብራ፤ ብርእሰ ምትእምማን ይሰርሓ፤ ድማ ይኽእላ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ ንጉሆ 16 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ጎደና ኣጀሚረን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን÷ ደቂ ኣንስዮ ጥበብ ይኖራሉ፤ ብጥበብ ይነብራ፤ ብርእሰ ምትእምማን ይሰርሓ፤ ብርእሰ ምትእምማን ይጎያ ይኽእላ ድማ ኢለን፡፡
ኩልና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና ክብላ ኣፅንኦት ሂበን፡፡
እቲ ውድድር ብልምዓት ኮሪደር ምኽንያተ ኣዚዩ ውቁብ፣ ምቹውን ነታ ከተማ ሓዱሽ ዘበናዊ መልክዕ ኣብ ዘላበሶ መገዲ ቦሌ – ኣትላስ – ኡራኤል ብፍሉይ ድምቀት ከምዝተኻየደ ኣመልኪተን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!