ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ እጃመን የብርክቱ ኣለው – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግናን ማዕርነትን ኢትዮጵያ እጃመን የበርክታ ኣለዋ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ብብርኪ ዓለም ንመበል 115 ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 50 ግዜ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር 5 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ናይ ጎደና ውድድር ጉያን ውድድር ስፖርትን ምክያዱ ገሊፆም። ካብ ቦሌ ተርሚናል-ኣትላስ-ኡራኤል ዝተሃነፀ መስመር ኮሪደር ተጀሚሩ ካሳብ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዛዘመ ውድድር ልዕሊ 120 ሽሕ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ እታ ከተማ፣ ፍሉጣት ኣትሌታትን ሃገራት ወፃኢ ዜጋታትን ከምዝተሳተፋ ሓቢረን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግናን ማዕርነትን ብንቕሓት ምስታፍ፣ ተረባሕነት ከረጋግፁ እጃሞም የበርክታ ኣለዋ ኢለን፡፡
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ እጃመን የብርክቱ ኣለው – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግናን ማዕርነትን ኢትዮጵያ እጃመን የበርክታ ኣለዋ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ብብርኪ ዓለም ንመበል 115 ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 50 ግዜ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር 5 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ናይ ጎደና ውድድር ጉያን ውድድር ስፖርትን ምክያዱ ገሊፆም።
ካብ ቦሌ ተርሚናል-ኣትላስ-ኡራኤል ዝተሃነፀ መስመር ኮሪደር ተጀሚሩ ካሳብ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዛዘመ ውድድር ልዕሊ 120 ሽሕ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ እታ ከተማ፣ ፍሉጣት ኣትሌታትን ሃገራት ወፃኢ ዜጋታትን ከምዝተሳተፋ ሓቢረን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ብልፅግናን ማዕርነትን ብንቕሓት ምስታፍ፣ ተረባሕነት ከረጋግፁ እጃሞም የበርክታ ኣለዋ ኢለን፡፡