Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ኣንስትዮ ኣካላ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን እንድሕር ዘይኮይነን ኩለመዳይ ለውጢ ኣይመፅእን – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ኣካላ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን እንድሕር ዘይኮይነን ኩለመዳይ ለውጢ ኣይመፅእን ኢሎም ብመዓርግ ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብ መድረኽ ትሩፋት ለውጢ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ከምዝበሉዎ÷ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ዘፈር ልምዓት ተሳተፍቲ ምግባር እንድሕር ዘይተኻኢሉ ኩለመዳይ ለውጢ ክርከብ ኣይኽእል፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ዝበረታታዕ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ብሓላፍነት ብምምዳብ ውሳነ ወሃብቲ ክኾና ጥንኩር ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ደቂ ኣንስትዮ ብኢኮኖሚ ብዝበለፀ ምብቃዕ፣ ዓቕሚ ክእለትን ትምህርቲን ምዕባይ ከምኡ እውን ኣብ ውሳነ ምሃብን ኣመራርሓን ዘለወን ግደ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ብታምራት ደለሊ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.