ዲጂታል መለለዪ መንነት ሕዚ ኣብ ዘለናላ ዓለም ኢኮኖሚያዊን ማሕራዊ ምትእስሳር እናቐየረ ዝርከብ ቴክኖሎጂ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል መለለዪ መንነት ሕዚ ኣብ ዘለናላ ዓለም ኢኮኖሚያዊን ማሕራዊ ምትእስሳር እናቐየረ ዝርከብ ቴክኖሎጂ ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ፋይዳ መለለዪ መንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ፋይዳ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
ዲጂታል መለለዪ መንነት ሕዚ ኣብ ዘለናሉ ዓለም ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ምትእስሳር እናቐየረ ዝርከብ ቴክኖሎጂ ኢዩ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ እውን “ፋይዳ” መለለዪ መንነት ናይዚ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ሓደ ኣካል እናኾነ ዝርከብ እንትኸውን፤ ከም ሲንጋፖር፣ ህንዲን ኢስቶኒያን ዝበላ ሃገራት ዲጂታል መለለዪ መንነት ብምጥቃም መብዛሕተኦም ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ዲጂታል ብምልዋጥ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ዜጋታተን ብምዝማን ተፀራሕቲ ሃገራት ኢየን፡፡
ውፅኢታት መፅናዕቲ ከምዘርእዩዎ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣብ ስራሕ ንምውዓል ብዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ፋይዳ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ዜጋታትን ዝኣትዉ ደላላታት ክተርፉ ብምግባር፣ ኣገልግሎታት ንዝተዓለመሎም ሓቀኛ ዜጋታት ጥራሕ ክበፅሑ ብምግባር ግዕዝይናን ብኽነት ሃፍቲን ናይ ምክልኻል ልዐል ዓቕሚ ዘለዎ ዲጂታል ስራሕ ኢዩ።”
ሕድሕድ ዜጋ ኣብዚ ጉዕዞ ታሪኽ ፋይዳ መለለዪ መንነት ብመሓዝ፣ ዲጂታል ስግግር እታ ሃገር ንምዕዋትን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ንምዕሳልን መሰረታዊ ግደ ክፃወት ይግባእ።