Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ኢትዮጵያ ምህናፅ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ልዑል ጠመተ ካብ መንጎ ዝተውሃቦም ጉዳያት ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ወሰንቲ ኢዮም ብምባል ካብ መንጎ ዝቐረፆም ትልምታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ምህናፅ ልዑል ጠመተ ዝተውሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መልእኽቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ዲጂታል ሉዓላዊነታ ዝተሓለወት፣ ብምህዞን ቴክኒሎጂን ዝዓዘዘት፣ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ፥ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ብምዕባለ ምህዞን ቴክኖሎጂን ናይ ሎሚን ፅባሕን ትውልዲ ንምህናፅ ዝዓለመ ዲጂታል ኢኮኖሚ ፅርየት ዘለዎ ምስዚ ዘበን ዝጓዓዝ ሓቛፊ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእል ውፅኢት ይረኣየሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እቲ ትልሚ ንምዕዋት መንግስቲ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ቀሪፁ ናብ ስራሕ ኣትዩ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ብውፅኢቱ ድማ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብኹሎም ዓውዲታት ዝነኣድ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ እንትኸውን፥ እዪ ስትራቴጂ ዕዉት ልኡኽ ዛዚሙ ንዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምርካቡ ሓቢሩ።

ኣብ ዲጂታል 2025 ዕዳጋ ቴሌኮም ብምኽፋትን ብምስፋሕን ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ሞባይልን ተበፃሕነቶም ክውስኽ ከምዝተገበረ ድማ ገሊፁ።

ድሕንነቱ ዝተሓለወ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ ማንነት(Fayda) ንመልላእ ኢትዮጵያዊያን ንምሃብ ዝተኻየደ ፕሮጀክት፣ ኣገልግሎት ኢ-ገቨርናንስ፣ ዲጂታል ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ዝዘመነን ስሉጥን ኣገልግሎት ብምብፃሕ ልዑል ውፅኢት ዝተርኣየሉ ስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ፕሮግራም ኮደርስ 5 ሚሊየን  ክእለት ዲጂታል ብምስፋሕ ዝነኣድ ውፅኢት ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሉ።

ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምምስራቱ፣ ፐብሊክ ኢንፍራስትራክቸር (PKI) ምጅማር፣ ኢንተርኔት ፋይበርን 4G/5Gን ምስፋሕ፣ ዲጂታል ፋይናንስ ዲጂታል ዕዳጋታትን ዝኣመሰሉ መርኣያ ዕዉትነት ልኡኻት ዲጂታል 2025 ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

ነዚ መሰረት ብምግባር መንግስቲ ስትራቴጂ ዲጂታል 2030 ብምቕራፅ ተግባራዊ ምግባር ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ነዚ ስትራቴጂ መሰረት ብምግባር ዲጂታል ሉእላውነታ ዝተሓለወት፣ ብምህዞን ቴክኖሎጂን ዝተመስረተት ኢትዮጵያ ንምቕራፅ ዝሕግዝ ስትራቴጂ እንትኸውን፥ እቲ ስትራቴጂ ናይ ናብራ ብልሓት ብምግባር ኩለ መዳይ ምዕባለ ምርግጋፅ ዕላምኡ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ካብ መንጎ ዝተቐመጡ ዓምዲታ እቲ ስትራቴጂ፥ ምስፋሕ ተበፃሕነት፣ ማዕረ ዕድል ምፍጣር፣ ምትእምማን ምህናፅ ዝብሉ ተረቋሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.