ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ምስ መሰል ትካላት ክንሰርሕ ኢና – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብፈጠራን ቴክኖሎጂን ዝተሓገዘ ስራሕ ንምትግባር ዝጀመረት ኢትዮጵያ ምስ መሰል ትካላት ናይ ምስራሕ መምርሒ ከምትኽተል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኾምን ኣብ ብራዚል ሳኦ ፖሎ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ምንቅስቓስ ስራሕ ዑደት ድሕሪ ምግባር ልዝባት ኣካይዶም፡፡
ኣብ ዑደቶም ድማ፤ ዘፈር ንግዲ፣ ወታደራዊን ሕርሻን ዝድግፉ ኣውሮፕላናት ኣፍራዪ ዝኾነ ኩባንያ ኢምብራኤር ተዓዚቦም፡፡
እቲ ኩባንያ ኣብ ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ትካላት ብምትሕብባርን ብሓባርን ንምስራሕን ድሌት ከምዘለዎ ምግንዛቦም ኣይተ ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሳኦ ጆዜ ዶስ ካምፖስ ፓርክ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፤ እቲ ፓርክ ልውውጥ ሓሳብ ፈጠራን ፀገም ፈታሕቲ መፍትሒ ኣብ ዘምፅኡ ስታርት ኣፖትን፣ ማእኸለዎትን ልዑል ተግባር ተኮር ስራሕቲ ብምድሃብ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝተዘርገሐ ከይዲ ስራሕ እቲ ዓውዲ ዘሎ ተሳትፎ ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣለዒሎም፡፡
ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብፈጠራን ቴክኖሎጅን ዝተሓገዘ ስራሕ ምትግባር ዝጀመረት ኢትዮጵያ፤ ምስ መሰል ትካላት ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ መምርሒ ክትክተል ኢያ ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡