Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምህናፅ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ልዐል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም ምሁርን ቁጠባዊ ሃፍቲ።

እቲም ምሁራን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ መሰረቱ ዝልውጥን ዝተዋደደ ለውጢን ዘምፅእ ኢዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀብሪደሃር መምህር ቁጠባዊ ሃፍቲ ዮሃንስ ቁሜ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋና መወዳደሪ ኢኮኖሚ ዓለም ቴክኖሎጂን ቅልጡፍ ሓበሬታን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ሃፍቲ ተፈጥሮ ጥራሕ ብምጥቃም ተወዳዳሪ ምዃን ከምዘይከኣል ብምግላፅ፥ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስትራቴጂ ናይ ቴክኖሎጂ ፕሮጀክት ጥራሕ ዘይኮነስ ኢኮኖሚ ሃገር ካብ መሰረቱ ዝቕይርን ዝተዋደደ ለውጢን ዘምፅእ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ መምህርን ተመራማሪን ቁጠባዊ ሃፍቲ ዝኾኑ ሰለሞን ኣሰፋ ብግደኦም፥ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሕዚ ንዝሓዘቶ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት መሰረት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዋናነት ኣብ ንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን መንግስታዊ ምሕደራን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፥ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ዝገብር ልዑል ዓቕሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተስፋዬ ምሬሳ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.