Fana: At a Speed of Life!

ድልድል ሩባ ጌደብ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ደብረ ማርቆስ – ባሕርዳር ኣብ ዝወስድ መገዲ ዝርከብ ድልድል ሩባ ጌደብ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ተገይሩ ኢሉ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ፡፡

እቲ ምምሕዳር ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፆ÷ ብውሕጅ ተሰቢሩ ዝነበረ ድልድል ሩባ ጌደብ ብተገጣጣሚ ሓፂን ተሃኒፁ፡፡

እቲ ድልድል ሎሚ መዓልቲ 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ተገይሩ፡፡

ድልድል ሩባ ጌደብ 3 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ለይቲ ኣብ ጎቦ ጮቄ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ሓያል ውሕጅ ብዝበፅሖ ጉድኣት ካብ ደብረ ማርቆስ – ባሕርዳር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተቛሪፁ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ እቲ ድልድል ብውሕጅ ምኽንያት ጉድኣት ካብ ዝበፅሖ ጀሚሩ ህንፀቱ ክሳብ ዝዛዘም ብትዕግስቲ እናተፀበዩ ንዝፀንሑ መገደኛታትን ኣሽከርከርቲን ምስጋና ቀሪቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.