ድሕንነት መገዲ ንምምሕያሽን ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻር ብቖራፅነት ክስራሕ ኢዩ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ድሕንነት መገዲ ንምምሕያሽን ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻርን ብቖራፅነት ክስራሕ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ትካላት መገዲ ክልል ተሽከርከርቲን ሞተር ሳይክላትን ሓገዝ ገይሩ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ እቲ ሓገዝ መንግስቲ ድሕንነት መገዲ ንምምሕያሽ፣ ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻርን ቅልጡፍ ፅገና መገዲ ንምርግጋፅን ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ፡፡
ሰፋሕቲ ዓውዲታት መገዲ ናይ ምስፍሕፋሕ ሓላፍነት ዘለዎም ትካላት መገዲ ክልል ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ንምምሕያሽ ከምዘኽእል እውን ተዛሪበን።
እቲ ሓገዝ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 220 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተዓደጋ 28 ሃርድ ቶፕ ተሽከርከርቲን 130 ሞተር ብስክሌታትን ዘካተተ ኢዩ፡፡
ብቤዛዊት ከበደ