Fana: At a Speed of Life!

ድምቀት ጎቦታት ገርዓልታ ዝኹልዕ ጎህ ሎጅ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንሰለታዊ ጎቦታት ገርዓልታ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃንፁ ብዙሓት ጥንታዊ ኣብያተ ክርስትያን ዝሓቖፈ ኢዩ።

ኣቀማምጣ እቶም ጎቦታት ንዓይኒ በፃሕቲ ልዑል ስሕበት ዝፈጥሩ እንትኾኑ፥ ኣብ መበል 6ይ ክፍለዘበን ከምዝተሃነፀ ዝዝረበሉ ገዳም ኣቡነ ይመኣንታ ሓዊስካ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ተወሳኺ ፍልፍል እቶት ብምዃን ዘገልግሉ ዘለዉ ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዋሕዚ በፃሕቲ ሃገርን ወፃእን ክብ ኣብ ምባል ልዑል ግደ ዝህልዎ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመረን ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነን ጎህ ሎጅ (ገረዓልታ) መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ንክብርኽ ልዑል ግደ ኣለዎ።

ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ፕሮጀክት ጎህ ሎጅ፥ ብመንግስቲ ፌዴራል ኣቢሉ ዝህነፅ ዘሎ ኢዩ።

እቲ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያታት ደብረብርሃንን መጋብን ዝርከብ ፕሮጀክት፥ ኣብ 2018 ዓ.ም ብምዝዛም ግልጋሎት ንክህብ ዘኽእል ሰፊሕ ርብራብ ይግበር ኣሎ።

ዳይሬክተር ምርግጋፅ ብቕዓትን ቁፅፅርን ሆቴልን ቱሪዝምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ የማነ ገድሉ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ዝኾነ ጎህ ሎጅ ብብርኪ ሃገር ልዑል ቆላሕታ ተዋሂቡዎ ዝህነፅ ዘሎ ኢዩ።

ፕሮጀክት ሎጅ ገርዓልታ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ከይዲ ህንፀቱ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ገሊፆም።

ነቲ ፕሮጀክት ዘድልዩዎ ውሽጣዊ ናውቲታት ብሙልእነት ኣቲዮም ናይ ምግጥጣም ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ናይ መብራህቲን ሳኒቴሺንን ናውቲታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ንምእታው ዘኽእል ምንቅስቓስ እናተገረ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ንመናእሰይ እቲ ኸባቢ ክልል ትግራይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ ንልዕሊ 800 ሰባት ግዚያዊን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ሎጅ ገርዓልታ፥ ትንሳኤ ቱሪዝም ትግራይ ኢሉ ‘ውን ሃገር ኣብ ምርግጋፅን ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ሕብረተሰብ ኣብ ምፍታሕን ዝለዓለ ግደ ኣለዎ ኢሎም ኣይተ የማነ።

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ንልዕሊ 1 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ድማ ገሊፆም።

ህንፀቱ እንትዛዘም መስሕብ ቱሪስታት ብምዃን ፍልፍል እቶት እቲ ክልል ኣብ ምብራኽን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ እቲ ፕሮጀክት ምስቲ ከባቢ ዝተጠዓዓመ ኢኮ-ሎጅ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ምህናፁ ጎበታት ገርዓልታ ተሓረይቲ ካብ ዝኾኑ ከበቢታት ህወፃ ሓደ ንክኾኑ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ብኻሊእ መዳይ ጎቦታት ገረዓልታን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ንምምዝጋብ ናይ መጀመርታ መፅናዕቲ ብምክያድ ንምዝገባ ሪጋ ሒዙ ከምዘሎ ኣይተ የማነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ፕሮጀክት ሎጅ ገርዓልታ ህንፀቱ ተዛዚሙ ኣብዚ ዓመት ንኣገልግሎት ሀዝቢ ክፍቲ ምዃኑ ነቲ ምዝገባ ኣብ ምስላጥ ሓጋዚ ክኸወን ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ፕሮጀክት ጎህ ሎጅ ኣብ 100 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ከተማ ሓውዜን ኣብ ቀፃሊ ስማርት ሲቲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ እቲ ፕሮጀክት ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ተዛዚሙ ግልጋሎት ንኽህብ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ዝገብሮ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.