ጀልባ ጣና ነሽ ፪ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣቀባብላ ተገይሩላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቃላይ ጣና ንግልጋሎት መዘናግዕን መጓዓዝያን ንምሃብ ናብ ሃገር ዝኣተወት ጀልባ ጣና ነሽ ፪ ኣብ ከተማ ኣዳማ በፂሓ።
እታ ጀልባ ኣብ ከተማ ኣዳማ እንትትበፅሕ ነበርቲ ከተማ ኣዳማ ኣብ ኣደባባይ ብምውፃእ ኣቀባብላ ገይሮምላ፡፡
ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ነታ ጀልባ ንምሕላፍ ኣብ ፅርግያ ዘለው ገመዳት ኤሌክትሪክ ብምእላይን ከምኡ እውን ዝተቛረፀ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስን ይሰርሑ ኣለው፡፡
ብተወሳኺ ምምሕዳር እታ ከተማ መብራህቲ ትራፊክ ብምልዓል ሓዊሱ እታ ጃልባ ኣብ እትሓልፈሎም መገዲ ፅርግያታት ኣድላዪ ምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡
ጣና ነሽ ፪ ዘመናዊት ጀልባ ህዝባዊ መጓዓዝያ 38 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ እንትትኾን፤ ኣብ ሓደ እዋን 188 ሰባት ናይ ምፅዓን ዓቕሚ ከምዘለዋ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ብሃይለማርያም ተገኝ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!