ጀርመን ንኢጋድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ደገፍ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ጀርመን ንበይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ደገፍ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ከባቢ ኮሪደራት ልምዓት ዝካየዱ ተግባራት ንምጥንኻር ዝሕግዝ እዩ።
ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ጀርመን ብምትሕብባር ብወገን ሚኒስቴር ዝቐረበ እቲ ደገፍ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ልምዓታት ብምስፍሕፋሕ ንስደተኛታትን ዘተኣናግዱ ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ይገብር ኢሉ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!