Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ንኢትዮጵያ ደገፍ 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጃፓን ንኢትዮጵያ ደገፍ 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ገይራ።

እቲ ደገፍ ካብ ኤጀንሲታት ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ፈንድን ብምትሕብባር ዝተገበረ ከምዝኾነ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ዝተገበረ ደገፍ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ጃፓን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል እቲ ኤምባሲ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.