ጆ ባይደን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት ሕክምና መጥባሕቲ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት ሕክምና መጥባሕቲ ኣካይዶም።
ውሃቢት ቃል ወዲ 82 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ጆ ባይደን ከምዝበልኦ÷ ባይደን ካብ ዘጋጠሞም ሕማም መንሽሮ ቆርበት ብዝተትሓሓዘ ዘካየድዎ ሕክምና መጥባሕቲ ብዓወት ዛዚሞም።
እቲ ሕክምና ብመንሽሮ ዝተሰኾኑ ዋህዮታት ቆርበት ምእላይ ዘጠቓለለ ምዃኑ ዝገለፃ እተን ውሃቢት ቃል÷ብዛዕባ ኩነታት ድሕሪ ሕክምና ባይደን ዝርዝር ሓበሬታ ክትህብ ኣይደለያን።
ሲቢኤስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ÷ጆ ባይደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የማናይ ርእሶም ቁስሊ ተራእዩ ኢሉ፡፡
ብተደጋጋሚ ብሕማም መንሽሮ እንተተቅዑ ዝርከቡ ባይደን፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ናብ ኣፅሞም ከምዝተዘርግሐ ዝተገለፀ መንሽሮ ፕሮስቴት ተታሒዞም ነይሮም፡፡
ጆ ባይደን ኣብቲ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “መንሽሮ ንኹላትና ይትንክፈና እዩ፤ከም ዝኾነ ሕሙም መንሽሮ ኣነን በዓልቲ ቤተይ ጂልን ብጥንካረ ደው ንብል ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!