ገስጋስ ንዘላቒ ዕብየት!
እንዃዕ ናብ 3ይ መዓልቲ ገስጋስ ጳጉሜን ኣብፅሐኩም! መዓልቲ ምዕባለ እነክብሮ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ዕብየት ብምስፋሕን ብምፅናዕን ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብዙሓት ውፅኢታት ለውጥታት ኣመዝጊባ እያ። ኣብ ኩለመዳያዊ ኣተገባብራ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኣትያ ዝሓለመቶ ኣሳኺዓ እያ። ሃዋህው ዝተረጋግዐ ማክሮ ኢኮኖሚ ምፍጣር፣ ልኡላውነት ምግቢ ምርግጋፅ፣ ፍርያት ኢንዱስትሪ ተናሓናሕነት ንዕዳጋ ንምዕባይ፣ ኣብ ዓውዲ መዓድን ሕጋዊ ስርዓት ምጥንኻር፣ኢኮኖሚ ብፅሒት ቱሪዝም ምዕባይ፣ ዲጂታላይዜሽን ምስፍሕፋሕን ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ዘመናዊ ምግባር ቀንዲ ትኹረት ዝተውሃቦም ነይሮም፡፡
ሕርሻ፣ቀዉዒ፣ መስኖ ሓጋይ፣ ትሩፋት ሌማትን ሓምለዋይ ኣሰርን ፍሉይ ትኹረት ዝተውሃቦ ዕብየት ዓወት ተመዝጊቡሉ፡፡
ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምርግጋእ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ፍርያታት ቀሪቡ። ቡን፣ ማንጎ፣ ዘይቲን ቅብኣት እኽሊን ካልኦትን ተፀራሕቲ እዮም፡፡ ቡን ጥራይ እንተወሲድና ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ወፃኢ ሸርፊ ዘምፅአ ዓመት ነይሩ፡፡ ኣብ ቀረብ ስጋን እንቋቑሖን እውን ልዑል ምምሕያሽ ተራእዩ እዩ።
ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ብልዑል ተመሓይሹ እዩ፡፡ ተተካእቲ ፍርያታት ብልዑል ፅሬት ፍርያት የፍርዩ ኣለው። ብዓለም ደረጃ ተወዳደርትን ጠለብን ዘለዎም ፍርያታት ኤክስፖርት ይገብሩ ኣለው ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ምእታው ጀሚርና።
ዘመናዊ መሰረተ ልምዓት ከተማታት እናዘመኑ ምምፅኦም፣ ከም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ኣቕራቢ ምዝዛም፣ ህንፀት ፅርየት ዘለዎም ትካላት ብምህናፅ ንመፃኢ ኢንዱስትሪ ብቑዕን ተወዳዳሪን ንኽኸውን ዓሚቕ ንምግባር ልዑል መሰረት ዘንበሩ እዮም።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ማዕድናትን ፀጋታትን ሃፍቲ ንክትጥቀመሉ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ስራሕቲ ምውፃእ ወርቂ ብልዑል ብርኪ ብምምሕያሽ ዘደንቕ ዓወት ኣመዝጊባ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓመት ዝርከብ ዝነበረ ወርቂ ብብዙሕ ዕፅፊ ንብሄራዊ ባንክ ቀሪቡ፡፡ መዳረግቲ ቱሪዝም ብዓብዩኡ ተስፋሕፊሑ፤ ንበፃሕቲ ምቹውት ተገይሮም። ቱሪዝም ኮንፈረንስ ብዘይተለምደ መንገዲ ዓብዩ ኣብዚ ዓመት ካብ 150 ዘይውሕድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ተመዝጊቡ።
እዞም ዓወታት እዚኦም ኢትዮጵያ ትሓልሞ ንምዕዋት ንምስካዕን መሰረት ዘንበሩ መስተንክር ዓወታት እዮም። ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት እዮም።
ርሑስ በዓል ጳጉሜን ንምነየልኩም!
3 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም
ግልጋሎት ኮሙኒኬሽ መንግስቲ