ገባሪ ሰናይ ትካል ኢኽላስ ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 93 ሚሊዮን ብር ልምዓታዊ ምንቅስቃሳት ንምትግባር ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል ልምዓትን ረድኤትን ኢኽላስ ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 93 ሚሊዮን ብር ዝትግበሩ ልምዓታዊ ምንቅስቃስ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝነብሩ ግዱሳት ሙሱሊም መናእሰይ ተጋሩ ዝተጣየሸ እቲ ትካል፤ ሚኒስትር ድኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁርያ ዓሊ ኣብ ዝተረኸባሉ 5ይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡
ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምክሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፤ ትካል ልምዓትን ረድኤትን ኢኽላስ ካብ ዝጣየሽ ሓፀርቲ ዓመታት ንዝተጸገሙ ሙስሊም ማሕበረሰብ ብፍሉይ፤ ብሓፈሻ ድማ ሙስሊም ዘይኾኑ ወገናት ሓዊሱ ኣብ ምሕጋዝን ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ምውጋን ብዙሕ ከምዝሰርሐ ገሊፆም፡፡
እስልምና ፍቕሪ፣ ሕዝነትን ምትሕግጋዝን እዩ ዝበሉ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ፤ ተጋሩ ሙስሊም ማሕበረሰብ ምስ መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብእስላማዊ ፍቕሪ ሓቢሮም ክሰርሑን ከልምዑን ይግባእ ኢሎም፡፡
ትካል ልምዓትን ረድኤትን ኢኽላስ ሓገዝ ንዘድልዮም ፅጉማት ወገናት፣ ተመዛበልቲን ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ምሕጋዝን ምሕዳስ መሰጊዳትን ታሪኻዊ ቦታትን ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
እቲ ትካል ኣብ ዝገብሮም ስራሕቲ፤ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኳን ኣድላይ ሓገዝ ከም ዝገብር እቶም ዋና ፀሓፊ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መልእኽተን ዘሕለፋ ሚኒስትር ድኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁርያ ዓሊ ብወገነን፤ ኩሎም ስራሕቲ ልምዓትን ምዕባለን መንግስቲ በይኑ ዘረጋግፆም ዘይኮኑስ ውዳበታት ሲቪክ ማሕበራት ብፍላይ ድማ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎም ከም ትካል ልምዓትን ረድኤትን ኢኽላስ ዝበሉ ምንቅስቓሳት ዘይትካእ ግደ ኣለዎም ኢለን፡፡
ሚኒሰትር ድኤታ ሑርያ ዓሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተረኸበ ሓገዝ ተምሪ ናብ ትግራይ ምሉእ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መናእሰይ፤ ደቂ-ኣንስትዮ፤ ህፃናትን ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ምሕጋዝ እቲ ትካል ንዝሰርሖም ስራሕቲ ዘለወን ናእዳ ገሊፀን፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ ስራሕቲ እውን ከም መንግስቲ ኣብ ዜጋታት ልምዓት ዝሰርሖም ስራሕቲ ድጋፍ መንግስቲ ከም ዘይፍለዮ ሓቢረን፡፡
እቲ ትካል፤ ኣብ ምሕዳስ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝተሳተፈ ትካል ቱርኪ ሓዊሱ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎም ንዝበሎም ኣካላት ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣፍልጦ፣ ምስጋናን ሽልማትን ሂቡ፡፡
ብሃይላይ መሓሪ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!