ጉባኤን ዓውደ ምርኢትን ፓኪስታንን ኣፍሪካን ልምዓት ንግዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዚ ልምዓት ንግዲ ፓኪስታንን(TDAP) ሚኒስቴር ንግዲ ፓኪስታንን ምስ ክፍሊ ንግዲ ኤምባሲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር 5ይ ጉባኤ ልምዓት ንግዲ ፓኪስታንን ኣፍሪካን (PATDC)ን ፍርያት ፓኪስታ ኢግዚቢሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊንየም ኣዳራሽ ካብ 7 ክሳብ 9 ግንቦት ከምዝካየድ ኣፍሊጦም፡፡
እዙይ ናይ ሰለስተ መዓልታት መደብ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ኣፍሪካን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምፍጣር ዝተዳለወ እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ላዕለዎት ልኡኽ መንግስቲ ፓኪስታን፣ መራሕቲ ንግዲ፣ ሰብ ሃፍቲን ሰብሞያታትን ዝሳተፍሉ ይኸውን፡፡
ኣብቲ ኢግዚቢሽን ኩባንያታት ፓኪስታን ዝተፈላለዩ ፍርያታቶን ግልጋሎታቶምን ዘቕርቡ እንትኾን ካብዚኦም ውሽጢ ድማ መድሓኒታት፣ መሳርሒታት ሕክምና፣ ክዳውንቲ፣ ፍርያት ምግቢ፣ ፍርያት ፅባቐን ካልኦትን ይርከብዎም።