Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሀልዝ ቴክ ፖሊሲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)3ይ ጉባኤ ሀልዝ ቴክ ፖሊሲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ንፈለማ እዋን እኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ፤ ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና መሪሕ ፈፃ ስራሕ ኢኖቬሽንን መመሓየሽ ፅሬትን ጥዕና ዶ/ር ኣባስ ሃሰን ፈጠራታት ቴክኖሎጂ ቀዳማይ ትኹረት ፖሊሲ ጥዕና እናኾኑ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ እውን ዓውዲ ጥዕና ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ማዕቐፋት ፖሊሲ እናተግበረት ከምትርከብ ሓቢሮም።

ጉባኤ ሀልዝ ቴክ 2025 ቅድም ክብል ኣብ ዝነበሩ ኣኼባታት ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምልዋጥ ክስርሓ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ሀልዝ ቴክ 2025 ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ ልምዓት ጥዕና ንምቅልጣፍን ንስርዓታት ጥዕና ኣፍሪካ ዝጠቕሙ ፈጠራታት ቴክኖሎጂ ጥዕና ንምብርትታዕ ዕላማ ብምግባር እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ተወከልቲ ሚኒስቴር ጥዕና እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብሰለሞን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.