Fana: At a Speed of Life!

 ጉባኤ ሕብረት ሻንጋይ -ፅኑዕ ምልክት ሕብረት ደቡባዊ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ሓዊሱ ንመራሕቲን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ልዕሊ 20 ሃገራት ክቕበሉ ኢዮም።

ካብ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ቲያንጂ ዝካየድ መበል 25 ጉባኤ ትካል ሕብረት ሻንጋይ ድማ ናይቶም መራሕቲ ምእካብ እወንታዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ።

ብሽዱሽተ ኣባል ሃገራት ዝተጣየሸ እቲ ትካል ኣብ ከይዲ እናተጠናኸረ ብምምፃእ ኣብዚ ሐዚ እዋን 10 ሃገራት ብኣባልነት ሓቚፉ ኣሎ።

ካብ ቀጣናዊ ምትሕብባር ፀፅታን ሰላምን ብተወሳኺ ብፍላይ ንደቡባዊ ዓለም ምልክት ምትሕብባር ምዃኑ እውን ይግለፅ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብተን ኣባል ሃገራት ብተወሳኺ ክልተ ተዓዘብቲ ሃገራት ሓዊሱ ካብ ኤሲያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን መራሕቲን ተወከልቲን ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ብፍላይ መራሕቲ ሩሲያ፣ ቻይናን ህንድን ሰለስቲኣዊ ዘተ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.