ጉባኤ ሚኒስትራት ጥዕና ካሪቢያን ኣፍሪካ ምስላጥ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጉባኤ ሚኒስትራት ጥዕና ካሪቢያን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበልዎ፤ ሃገራት ካሪቢያንን ኣፍሪካን ኣሕዋት ህዝብታት እየን።
ኢትዮጵያ ዓዲ ኣፍሪካውያን ጥራይ ዘይኮነትስ ዓሌት ኣፍሪካውያን እውን እያ ኢሎም።
ናይ ሎሚ መድረኽ ዲፕሎማስያዊ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ባህልን መዕለቢን ዘለዎም ህዝብታት ዝራኸብሉ ቦታ ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
ሃገራት ኣፍሪካን ካሪብያንን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን ዝበሉ ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ዘለናሉ እዋን ናውቲታት ሕክምና ብምፍራይ ናብ ዓርሰካ ናይ ምኽኣል ጉዕዞ ምቅናዕ ግድን ዝብል እዩ ኢሎም፡፡
ንኹሉ ተበፃሕነት ጥዕና ንምሃብ ዝብል ጉዳይ ካብ ዝርርብ ሓሊፉ ናብ ተግባር ክወርድ ይግባእ ኢሎም።
ዓቕሚ ሰብ ሞያ ጥዕናና ብምህናፅን ዓውዲ ዲጂታላይዝ ብምግባርን ምስቲ ዘመን ሓቢርካ ምጉኣዝ ከምዘድሊ ኣረዲኦም፡፡
ብኣንዷለም ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!