ጉባኤ ማሕበር ትካላት መሰልጠኒ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያን ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብሓባር ዘሰናድኡዎ 5ይ ጉባኤ ማሕበር ትካላት መሰልጠኒ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ዓውዲ ኣቪየሺንን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላትን ተረኺቦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዮሃንስ ኣበራ፤ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ንዝረኣዩ ፀገማት ሓበራዊ መፍትሒ ንምእላሽን ልምዲታት ንምልውዋጥን እቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኢዩ ኢሎም።
ኣካዳሚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣብ 50 ዓመታት ፃንሒቱ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን መጠናኸሪ ስራሕቲን ብመሃብ ነቲ ዓውዲ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ከምዝቐፀለ ኣብሪሆም።
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ደንጌ ቦሩ ብግደኦም፤ ዓውዲ ኣቪዬሽን ናብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝሳገርን ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎ ብምዃኑ ትኹረት ተዋሂቡዎ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሰናደአ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ውፅኢታዊ ጅማሮታት ምጥንኻርን ዝረኣዩ ፀገማት ምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኣማራፂታት ልዝብ ክካየድ ኢዩ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!