Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ጉባኤ “ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ንምትእስሳር ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፈሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙዔል ክፍሌ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ማርጋሬት ጁኮ (ፕ/ር)ን ተረኺቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ምሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርቲን መሓዙት ኣካላትን ተሳቲፎም፡፡

ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ጉባኤ÷ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘሰናደኦ ኢዩ፡፡

ብመራኦል ከድር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.