ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ “ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ንምትእስሳር ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፈሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙዔል ክፍሌ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ማርጋሬት ጁኮ (ፕ/ር)ን ተረኺቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ምሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርቲን መሓዙት ኣካላትን ተሳቲፎም፡፡
ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ጉባኤ÷ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘሰናደኦ ኢዩ፡፡
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!