ጉባኤ ስርዓት ምግቢ፥ ኢትዮጵያ ልምዲ ዘካፈለትሉን ኣካል መፍትሒ ኮይና ዝቐረበትሉን ነይሩ-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዘተኣናገደቶ መበል ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ልምዲ ዘካፈለትሉን ኣካል መፍትሒ ኮይና ዝቐረበትሉን ነይሩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ምዝዛም እቲ ጉባኤ ጠሚቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ መንግስታት ኢትዮጵያን ጣሊያንን ምስ ሕቡራት መንግስታት ብምውዳድ ዘሰናደእዎ እቲ ጉባኤ ብዙሓት መራሕቲ፣ ትካላትን ተመራመርቲ ውልቀ ሰባትን ዓውዲ ግብርና ከምኡ’ውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዝተዓደምሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ገሊፁ።
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ለውጢ ስርዓተ ምግቢ ዝተርኣዩ ዓወታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ከምዝተገምገሙን ቀፃሊ ኣንፈታት ከምዝተውሃቡን ኣብሪሁ።
ኢትዮጵያ ነቲ ጉባኤ ካብ ምትእንጋድ ብተወሳኺ ሉእላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝኸደቶ ርሕቀት ብእወንታዊ ተመክሮ ምክፋላ፣ ክሊማዊ ለውጢ ንምፅዋር በቢዓመቱ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እትተከል ብቢሊየናት ዝቑፀር ፈልሲን ብመንፅር ምርግጋፅ ስርዓተ ምግቢ ዝተረኸበ ውፅኢታትን ብልምዲ ቀሪቡ ኢሉ።
ብሌማት ትሩፋት፣ ሰርናይ መስኖ ሓጋይ፣ ሓምለዋይ ኣሰር ወዘተ ብዙሓት ውፅኢታት ዘመዝገበት ኢትዮጵያ፥ ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ከልቲኣዊን ኩለመዳይን ርክባት ንምጥንኻር እቲ መድረኽ ከምዝተጠቐመትሉ ገሊፁ።
ዝተጀመረ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምዘርኣየትሉ እወን ሓቢሩ እቲ መግሊፂ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ።
ብመሰረት ኢትዮጵያ እቲ መድረኽ፥ ልምዲ ዘካፈለትሉን ኣካል መፍትሒ ኮይና ዝቐረበትሉን ነይሩ ኢሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!