ጉባኤ ኤፊሸንሲ ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈላማይ ጉባኤ ኤፊሸንሲ ኢነርጂ ኣፍሪካ ካብ ዝቕፅል 1 ክሳብ 2 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢነርጂን መሰረተ ልምዓትን ኣፍሪካ ሌራቶ ማታ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ፀገም ቀረብ ሓይሊ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ።
እታ ኣህጉር ቀፃሊ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ዝኾነ ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ብትኹረት ምዝታይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ሓይሊ ብዝግባእ ምጥቃም ከምዝግባእ ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ምስ መውፃእቲ ፖሊሲ ኣብ ቀረብን ፅሬትን ሓይሊ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡
ኢነርጂ ንዘላቕ ልምዓት ወሳኒ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ሌራቶ ማታ÷ እቲ ዓውዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣህጉራዊ ኣጀንዳ ክኸውን ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት ኢነርጂ ሃገረት ኣፍሪካ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን ሓዊሱ ልዕሊ 600 ኣጋይሽ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ይግበር።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!