Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ምዕባለ ንምስላጥ ኣብ መንጎ ተሳትፎ መስራሕቲን መሰል ሰራሕተኛታትን ሚዛን ምሕላው ወሳኒ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዕዞ ምዕባለ ንምስላጥ ኣብ መንጎ ተሳትፎ መስራሕቲን መሰል ሰራሕተኛታትን ሚዛን ምሕላው ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ መበል 37 ዓለም ለኸ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኮንፌዴሬሽን ሰራሕተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንቅስቓስን መትከላትን ዓለም ለኸ ማሕበር ሰራሕተኛታት ብፍላይ ሰላም፣ ከብሪ፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎን ዓለም ለኸ ሕጊታትን ብፅኑዕ የኽብር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዘሎ ፓለቲካ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ለውጢ ውፅኢት ይርከበሉ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ናይ ኩሎም ዜጋታት ጉልበትን ኣስተዋፅኦን ብሓባር ብምዝማዱ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ዝተጣየሸ ሰለስቲኣዊ ቤት ምኽሪ ርክብ ሰራሕተኛን ኣስራሒን ክብ ምባል ምኽኣሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ጉዕዞ ምዕባለ ንምስላጥ ኣብ መንጎ ተሳትፎ መስራሕቲን መሰል ሰራሕተኛታትን ሚዛን ምሕላው ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ብሶስና ኣለማየሁ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.