ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሰላም ምፅናዕ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሰላም ምፅናዕ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ።
ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሰላም ካብ ኩለን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ሰላምን ፀፅታን ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘካየዱዎ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ።
ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ መልእኽቲ እቶም ሚኒስትር ሰላም፤ ሰላምን ልምዓትን ብምውዳድ ምትግባር ይግባእ ኢሎም።
ንህንፀት ሃገር ኩሉ ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ ብራኸ ሃገር ንምርግጋፅ ብኩሉ መዳይ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።
ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሰላም ዘለዎም ልዑል ግደ ንምጥቃም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ባህላዊ ስርዓት ኣፈታትሓ ፀገማት ንህንፀት ሃገር ናይ ምጥቃም ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!