ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ትልምታት ጠመተ ሂብካ ምፍፃም ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ትልምታት ጠመተ ሂብካ ምፍፃም ይግባእ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።
ኣብ እወንታዊ ኣጋጣሚታት ብምድራኽን ብድሆታት ናብ እወንታዊ ፅዕንቶ ብምልዋጥን ብጥንካረ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ናይ 2018 ባጀት ዓመት ሻድሻይ ዘበን ፓርላማ ናይ ስራሕ እዋን ዝዛዘመሉን ህዝቢ ዝሰልጠነ ስልጣንን ሓላፍነትን ብዝግባእ መገዲ ተጠቒምና ትልሚታትና ምፍፃሞም እንምዝነሉ ዓመት ኢዩ ብምባል ኣብሪሆም።
ድኽመታት ብምእራም ንመበል ሻውዓይ ናይ ፓርላማ ዘበን ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውዲ ምቹእ ኩነታት ዝዝርገሐሉ ዓመት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብብርኪ ሃገር ኣብ ወሰንቲ ኣጀንዳታት ዘተ ዝግበረሉን ምርድዳእ ዝግበረሉን ዓመት ኢዩ እውን ምባሎም ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተረፈ በዳዳ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!