ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፍትሓዊን ጉዳይ ህልውናን ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ውድብና ሙሉእ ብሙሉእ ዝድግፎ ኢዩ ክብሉ ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ገሊፆም።
ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ንዘበናት በሪ ባሕሪ ወኒና ዝፀንሐትን ወደባ ንምሕላው ብዙሕ መስዋእቲ እናኸፈለት ዝነበረትን ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡
ኣባል ፈፃሚት ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ተካ ሹሻይ፥ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ፍትሓዊን ታሪኻዊን ግቡእነት ዘለዎ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብመንፅር ክልል ትግራይ እንትረአ እውን ከም ሃገር ኣብ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝነበሮ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ፅዕንትኡ ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዕድል ስራሕ ኣብ ምርካብ፣ ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ብቕርበት ኣብ ምርካብን ኣብ ጥቓ ወደብ ባሕሪ ዝርከብ ከባቢ ተረባሒ ከምዝገብር ዝገለፁ ኣይተ ተካ÷ ሕቶ በሪ ባሕሪ እንትምለስ ንትግራይ ብቐዳምነት ተረባሒት ዝገብራ ኢዩ ኢሎም።
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣይተ ገብረጊዮርጊስ ግደይ ብግደኦም፥ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምምላስ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዝረብሕ ዘይኮነስ ንመላእ እቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወናኒት ወደብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ዝነበሩ ከባቢታት ቀንዲ ተረባሕቲ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።
ብመንፅር እዚ ሕቶ በሪ ባሕሪ እንትምለስ ክልል ትግራይ እውን ቅድሚት ተረባሒት ንክትከውን ከምዝገብራ ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝለዓለ ኢኮኖሚ እተንቀሳቕስ ሃገር ምዃና ዝገለፁ ኣይተ ገብረጊዮርጊስ፥ ስለዝኾነ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እወንታዊ ምላሽ እንትረክብ ሰፊሕ ወደብ ሒዘን ተረባሕቲ ንዘይኮና ጎረባብቲ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ካብ ህልኽ ፖለቲካ ውፅእ ኢልካ እንተተራኢዩ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ፍትሓዊ ሕቶ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ወደብ ንዘሎ ማሕበረሰብ ዝጠቅም ስለዝኾነ ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ርእይተኦም ሂቦም።
እቶም ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትዴፓ÷ መንግስቲ ኣበጊሱዎ ዘሎ ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ውድብና ሙሉእ ብሙሉእ ዝድግፎ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
በሪ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ እዚ ንምርግጋፅ ብኹሉ ወገን ድሌት ሰላም ክህሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ብገብረማርያም ወልደገሪማ