ጉዳይ በሪ ባሕሪ ድሕሪ 30 ዓመታት ዓለም ለኻዊ መዘራረቢ ዛዕባ ምግባር ተኻኢሉ-ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን እትርከብ ሃገር ኢያ፤ መፃኢ ዕድላ እውን ምስ ክልቲኦም ማያት ኣዝዩ ዝተዛመደ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ።
እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ሓምሻይ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣብ ዘስምዑል እዋን ኢዩ።
እቲ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት ሎሚ ተሳሊጡ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ፍትሓውነት ብዘየማእኸለ መገዲን ንህዝቢ ብዘየሳተፈ ኣገባብን ተገሊላ ምፅንሓ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ናብ’ቶም ማያት ንክትምለስን ፍትሓዊ ተረባሕነት ልምዓት ንክረጋገፅን መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ድሕሪ 30 ዓመታት ጉዳይ በሪ ባሕሪ ዓለም ለኻዊ መዘራረቢ ዛዕባ ምግባር ከምዝተኽኣለ እወን ገሊፆም።
ብቐፃልነት ናይዚ ቀጣና ሓበራዊ ባህጊ ልምዓት ዘገናዘበ ምትሕብባርን ዝምድናን ንምጥንኻር ዲፕሎማሲያዊን ሰለማዊን ፃዕሪታት ክግበሩ ኢዮም ኢሎም።