Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ኣገልግሎት መጋባእያ ዝረኽቡሉ ዲጅታል ኣሰራርሓ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ኣገልግሎት መጋባእያ ዝረኽቡሉ ዲጅታል ኣሰራርሓ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ሰበር ሰማዒ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክጅመር ኢዩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክትል ፕሬዚዳንት መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዳኛ ኣበበ ሰለሞን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ኣብ ላዕለዎት ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል መሰረተ ልምዓት ተዘርጊሑ።

ሓፈሻዊ ኣገልግሎት እቲ ቤት ፍርዲ ብዲጅታል ንመሃብ ዘኽእል መተግበሪ እናለምዐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ናብ ዲጂታል ኣሰራር ንምስግጋር መምርሒ ‘ኤሌክትሮኒክ ኣቀራርባ ጥርዓንን ክትዕን’ ፀዲቑ ኢሎም።

እቲ መምርሒ በዓል ጉዳያት ኣበዘለዉዎ ኮይኖም ኤሌክትሮኒክስ ጥርዓን ንምቕራብ፣ መልሲ ንመሃብ ካብ ኣቢያተ ፍርዲ ናብ በዓል ጉዳይ መፀውዒ ንምብፃሕ ከምዘኽእል ፀሪሖም፡፡

ሰብ ጉዳይ ከይዲ ዳይነት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ንኽከታተሉ ዘኽእል ኣሰራርሓ ከምዘካተተ እውን ሓቢሮም።

በዚ ድማ ካብ 23 መስከረም 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰበር ሰማዒ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምትግባር ከምዝጅመርን ብኸይዲ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣብ ኩለን ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ንምትግባር ከምዝተሓሰብ ኣብሪሆም።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.