ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ስራሕቲ ጥበብ እናቕረበ ይርከብ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባህሊ ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ምድላዋቱ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ምቕራብ ጀሚሩ፡፡
“ኪን ኢትዮጵያ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ባህሊ ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ጉጅለ ኪነ ጥበብ ናብ ቻይና ከምዘምረሐ ይፍለጥ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ድማ ጥንታዊነት፣ ታሪኻዊነት፣ ህብረ ብሄራዊነትን ብዝሃነት ኢትዮጵያን ዘፋልጡ ምድላዋት ኣብ ቻይና ቤጂንግ ኣዳራሽ ቤተ መፃሕፍቲ ንህዝቢ እናቕረበ ይርከብ፡፡
ፈላማይ ጉዕዞኡ ናብ ቻይና ዝገበረ እቲ ጉጅለ ኪነ ጥበብ፤ ኣብ ቻይና ኣብ ዝህልዎ ፃሒት ኣብ ከተማታት ቤጂንግን ናንጅንግን ባህሊ ኢትዮጵያ ከፋልጥ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!