ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዝደንት ኮፕ 32 ብምዃን ተመሪፆም
ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ክሌማዊ ለውጢ ሕራት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣሰናዳኢት ሃገር ኮፕ 32 ምዃና ስዒቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ጌዲዮን ጢሞቴዎስን (ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዝደንት ኮፕ 32 ብምግባር ከምዝመደበ እንትገልፅ ሓጎስ ይስመዖ።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሓፍቲ ስራሕ ውሽጢ ሃገር፣ ኣባላት ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምትሕብባር ምድላዋት ኮፕ 32 ክመርሑ ኢዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ክሌማዊ ለውጢ ሕራት መንግስታት ኣባል ሃገራት ንኢትዮጵያ ናይ ምስንዳእ ሓላፍነት ብመሃበን ምስጋናኡ እናቕረበ ብኣተሓባበራይነት ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ማሕበረሰብ ሓለዋ ክሌማዊ ለውጢ ብቕርበት ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ይገልፅ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!