Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብቐዋምነት ቅልጡፍ ግልጋሎት ምሃብ ዘኽእል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብቐዋምነት ንማሕበረሰብ ቅልጡፍ ግልጋሎት ምሃብ ዘኽእል ምዃኑ ሰብ ሞያታት ሚዲያ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሓደ ገዛ ሙሉእ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥቓም ዝተፈላለዩ ግልጋሎት መንግስቲ ዝህብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ግልጋሎት ፤ ማሕበረሰብ ዝደልዮ ግልጋሎት ዲጂታል ኣማራፂታት ብምጥቓም ብቐሊሉ ኣብ ሓደ ቦታ ክረኽብ ዘኽእል ምዃኑ ተገሊፁ።

12 ትካላት ተዋዲዶም ልዕሊ 41 ግልጋሎት ዝውሃበሉ ኣብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሎሚ ዑደት ዝገበሩ ሰብ ሞያታት ሚድያ፤ ኣብቲ ዑደት ብዛዕባ እቲ ግልጋሎትብ ሕብረተሰብ ግንዛበ ንኽህልዎ ንምግባር ሓገዝ ዝገብር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብቐዋምነት ንማሕበረሰብ ቅልጡፍ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል ምዃኑ ምግንዛቦም ብምግላፅ÷ ኣብቲ ዓውዲ ግልጋሎት ዝረኣዩ ፀገማት ብምፍታሕ ናይ ተገልገልቲ ዕግበት ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ኣመላኺቶም፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ግልጋሎት ማእኸላት ብምስፋሕን ብምጥንኻርን ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝያዳ ስሉጥን ተበፃሕን ንምግባር ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ክልላት ንምስፍሕፋሕ እናተሰርሐ እንትኾን ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሙ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀምሩ ተገሊፁ፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.