Fana: At a Speed of Life!

ግራቨንበርግ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ መንእሰይ ተፃዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ማእኸል ጋንታ ሊቨርፑል ግራቨንበርግ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ መንእሰይ ተፃዋታይ ዘበነ ውድድር 2024/25 ብምዃን ተመሪፁ፡፡

ወዲ 23 ዓመት ተፃዋታይ ግራቨንበርግ ካብ እንግሊዛዊ ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ቀፂሉ መንእሰይ ተፃዋታይ ሽልማትን ዝሰዓረ 2ይ ተፃዋታይ ጋንታ ሊቨርፑል ክኸውን ክኢሉ፡፡

ኔዘርላንዳዊ ግራቨንበርግ ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብቲ ሊግ ብዝገበሮም 36 ፀወታታት ኣርባዕተ ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾታት ኣመዓራሪዩ ከቐብል ክኢሉ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.