ግደ ምሁራት ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምሁራን ንብሄራዊ ምርድዳእ ናይ ባዕሎም እጃም ክገብሩ ኣለዎም ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ።
እቲ ኮሚሽን “ግደ ምሁራት ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል ጉዳይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ኩሎም ምሁራን ተወከልቲ ዩኒቨርስቲታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘተ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ እዋን እቲ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዮናስ ኣዳዮ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ÷ ምሁራት ሃገር እትድሕነሉ ሓሳብ ምውፃእን ንሃገራዊ ዘተ ናይ ባዕሎም ግደ ይህልዎም፡፡
ከም ሃገር ዘተ ባህሊ ዝኾሉ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውዲ ንምፍጣር ምሁራን ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ግዲኡ ልዑል ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዘካየዶም ተግባራት ብዝምልከት ገለፃ ተገይሩ፡፡
ብደሳለኝ ቢራራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!